This page contains Ge'ez script. Without proper rendering support, you may see question marks, boxes, or other symbols instead. You can download the PDF or read about multilingual support on wikipedia for help.
ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዓለምለኻዊ ቀይሕ መስቀል ምድላይን ምርኻብን ወሃቢ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ዓለም ብኩናት፡
ብፖለቲካዊ ናዕብታት፡ ብባህሪያዊ ሓደጋታት፡ ወይ ድማ ብስደት ተፈላልዮም ንዘለው ስድራቤታት ኣብ ምድላይን
ምርኻብን ይሰርሕ፡፡ አንተድኣ ካብ ስድራቤትካ/ኪ ተፈላሊኻ/ኺ ከነራኽበካ/ኪ ንኽእል ንኸውን ኢና፡፡
ቀይሕ መስቀል ዓዲ እንግሊዝ ብዝስዕብ መገድታት ክሕግዘካ ይኽዕል’ዩ
> ምድላይ ኣባላት ስድራቤት
ስድራቤታት ብሰንኪ ኩናት ሓደጋ ወይ ድማ ስደት መስዝፈላለዩ፡ ንሕና ነቶም ተሳኢኖም ንዘለው አዝማድ ኣብ ምንዳይ ክንተሓባበር
ንኽእል ኢና፡፡
> ድሃይ (ዜና) ስድራቤት ኣብ ምብሳር
እቲ ንቡር ርክባት ብሰንኪ ኩናትን ሐደጋታትን ምስ ዝቋረጽ ናይ ቀይሕ መስቀል መልእኽትታት ሕጅውን አብ መንጐ ዘይተራኸቡ
አዝማድ ክመሓላለፍ ይኽእል’ዩ፡፡
(ገንዘብ ይኹን ዕሹግ ንዋታዊ መልዕክቲ ክለአኽ ከምዘይክኣል ከተስተውዕሉ ንደሊ)፡፡
> ናይ ቤት ማእሰርቲ መረጋገጺ ሰነድ (ሰርቲፊኬት)
ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከላኻ ናይ ዓለምለኻዊ ቀይሕ መስቀል ኮሚቴ (ICRC) ተዓዚቡካ (በጺሒካ) ዝፈልጥ እንተኮይኑ ናይ ዝተአሰርካሉ
መረጋገጺ (ሰርተፊኬት) ክነዳልወልኩም ንኸውን ኢና፡፡
ኩሉ አገልግሎትና ናጻን ምስጢሩ (ውሕስነቱ) ዝተሓለወን’ዩ።
እዚ ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያ (ዓዲ እንግሊዝ) ነዞም ኣገልግታት እዚኣቶም ኣብ ካልእ ኩነታትውን ከውዕሎም ይኽእል፡ ንኣብነት ከም
ሰብኣዊ ሓገዝ ዝድለየሉ እዋን፡ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ዓቢ ዘመድ እንተልዩካ ምሱውን ብሓንደበት ርክብኩም እንተተቋሪጹ።
ክንሕግዘካ ከምንኽእል እንተሓሲብካ ርኸበና
ተወካሊ ቀይሕ መስቀል ዓዲ እንግሊዝ ሽግር ጠለብ ሕቶኻ ንምፋታሕ፡ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ሕጉስ’ዩ፡፡
ቋንቋ እንግሊዝ ክትዛረብ ዘይትኽእል እንተኾንካ ንዝዓበየ ኣባል ስድራቤትካ ይኹን መሳርሕትኻ ወይ ድማ ኣርክኻ/ኺ ክሕግዘካ/ኪ
ይኽእልዩ፡ ወይ ድማ አስተርጓሚ ክነምጻልካ/ኪ ንኽእል ኢና። ዝምላእ መሕትት (ፎርም) ክወሃበካ’ዩ: ክሳዕ ዝኸኣልካዩ መጠን ሙሉእ
ሐበሬት ክትህበና ንደሊ ኢና፡ ነቲ መሕትት (ፎርም) ኣብ ምምላእውን ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።
ነዚ ሐበሬታ’ዚ ብናይ ሃገራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወይ ድማ ቀይሕ ወርሒ ናይቲ ዘመድካ ይነብረሉ ኢልካ ትኣምነሉ ሃገር ጌርና
ክንሰደልካ ኢና፡ ወይ ድማ ነቲ ሓበሬታ ናብ ዓለምለኻዊ ናይ ቀይሕ መስቀል ኮሚቴ (ICRC) ዝተባህለ ኣካል ሰዲድና ንዘመድካ ክረኽቡልካ
ክፍቱኑዮ’ም፡፡ ዓቅምና ናይ ምድላይ ብናይ ኩነታት ናይቲ ንደልየሉ ሃገር (ቦታ) ይሙርኮስ፡ ንኣብነት ኩነታት ጸጥታ ናይታ ሃገር፡፡
ሐበሬታ ኣብ ዝረኸብናልካ/ኪ እዋን ቀልጢፍና ክንረኽበካ/ኪ ኢና፡ እዚ ይኹንዳእምበር ሕቶኻ ንኽምለሰልካ ክንደይ ግዜ ከምስወስድ
ክንነግረካ ኣይንኽእልን ኢና፡፡
Contact your nearest Red Cross Office |