Get help as a refugee - Tigrinya

ከም ስደተኛወይሓታቲዑቕባሓገዝርኸቡ

ስደተኛ፣ ዑቕባሓተቲወይንሓደጋዝተቓልዑፈላሳይእንተድኣኮንኩምናይእንግሊዝቀይሕ መስቀል ሓገዝ ክገብረልኩም ይኽእል እዩ፡፡

ብኸመይክንሕግዘኩምንኽእል

ኣብናይስደተኛ፣ ሓታቲዑቕባወይካልኦትንሓደጋዝተቓልዑፈለስቲድልየታትተመርኲስናቅልጡፍዝኾነሓገዝ ነቕርብ፡፡ እቲ ክነቕርበልኩምእንኽእሎሓገዝኣብቲእትርከቡሉከባቢመሰረት ይገብር፡፡ እዞምዝስዕቡከካትትይኽእል፡-

  • ቀረብ ምግብን ናይ ምግቢ ቅብሊት
  • ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ
  • ክዳዉንቲ
  • መነፃፅሂ
  • ኮቦርታ
  • ንቖልዑ ዘድልዩ ነገራት፡፡

ተወሳኺ ሓገዛት ክነቕርብንኽእልኢና፡፡ ኩነታትኩምንእትነብረሉ ከባቢንመሰረትብምግባርእዞምዝስዕቡከካትቱይኽእሉ፡-

  • ናይ መጓዓዓዝያ ቅብሊት
  • ጥቕምታትንናይስራሕምኽሪን
  • ናይ ጥዕና ክንክን - ኣብሓፈሻዊሐኪምወይናይስኒ ሓኪም ምምዝጋብ
  • ናብቆፆራታትኩምምስናይ
  • ናይ እንግሊዝ (UK) ሂወት ምልማድ
  • ምፍላጥ- ምስከባቢኹምምልላይ
  • ስምዒታዊ ደገፍ
  • ስድራዳግመ-ምርኻብ
  • ካልኦት ሰባት ምፍላጥ፡፡

ካብእቲዝቐርበኩምናይስደተኛታትቦታአገልግሎትአገልግሎትርኸቡ

ክትረኽቡና እንከለኹም፣ ክንሕግዘኩም ከም እንኽእል ንምልላይ ካብቶም ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታትና ሓዲኦም ድልየታትኩም ክግምግሙ እዮም፡፡ እንተዘይክኢልና ክሕግዘኩም ናብዝኽእልአገልግሎትክንመርሓኩምኢናወይክንሕብረልኩምኢና፡፡

እንግሊዝኛ ምዝራብ ዘይትኽእሉ እንተድኣ ኮይንኩም ኣስተርጓሚ ክንቅርበልኩም ኢና፡፡

ፖለቲካዊ ወይ ሃይማኖታዊ ትካል ኣይኮናን፣ ናብ ሰበስልጣን ሪፖርት ኣይንገብረኩምን ከምኡድማሓገዝናሚስጥራውንናፃንእዩ፡፡

ኣብከባቢኹምዝርከብአገልግሎትብኸመይትጥቀሙ

እቲ ሓገዝ ብኸመይ ትረክብ ኣብ እትርከቡሉ ከባቢ መሰረት ዝገብር እዩ፡፡ እዞም ዝስዕቡ ንምፍላጥ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ናይ ስደተኛታት ግልጋሎት ርኸብ፡

  • ትኽ ኢልካ ምእታው (ኣብቲ ማእኸል ምብፃሕ እንተኮይኑ)
  • ቆጸራምሓዝ
  • ካብካልእትካልክትምርሑእንተተደልዩ፡፡

እዚአገልግሎትቅድሚሕጂተጠቒምኩም ትፈልጡዶ? ብኽብረትኩም [ምላሽ ሓበሬታኹም ሃቡና] 

ብዘይሕጋዊ መንገዲ እንተድኣ ኣቲኹም

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተኹምስደተኛታትወይሓታቲዑቕባእንተድኣኮይንኩምክንሕግዘኩንኽእል ኢና፡፡

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣቲኹም እንተድኣ ኮይንኩም ስደተኛ ብምኳንኩም ካብ እትረኽብዎ ሓገዝ ብተወሳኺቀፃሊእንታይክትገብሩከምዘለኩምንተወሳኺ ሓገዝ ኣበይ ከም እትረኽቡን  ደገፍን ምኽርን ክንህበኩም ኢና፡፡

ንመንእሰያትስደተኛታትዝግበርደገፍ

ካብ 15 ክሳብ 25 ዝዕድመኹም ስደተኛታት እንተድኣ ኮይንኩምኣብዝተወሰኑከባቢታትእንግሊዝ (UK) ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡

ከምመንእሰይስደተኛሓገዝምርካብ

ዳግመ ምርኻብ ስድራ (ርክብስደራከምዝቕጽልምግባር)

ስደተኛ እንተድኣ ኮይንኩም በዞም ዝስዕቡ መንገድታትምስስድራኹምንኽትራኸቡክንሕግዘኩምንኽእል፡

  • ኣብ ምምልካት ቪዛ ምሕጋዝ
  • ስድራኻ ንኽፅንበሩኻ በረራ ምምችቻዉ (ስድራ ዳግማይ ንምርኻብ ናይ ጉዕዞ ደገፍ)፡፡

ኣብ ገለ ናይ እንግሊዝ (UK) ከባቢታት ናይ መፀበይ ተራ ክህሉ ስለዝኽእልኣብዝተወሰኑከባቢታትጥራሕናይስደራ ዳግመ ምርኻብ ቪዛ ንኽተመልክቱ ጥራሕ ሓገዝ ንህብ፡፡

ናይ ስድራ ዳግመ ምርኻብ ኣገልግሎት ከም ዘቕርቡ ንምፍላጥ(ናይስደተኛኣገልግሎትዝርዝርመድለዪ)ከባብያዊ (ከባብያዊኣገልግሎት) ርኸቡ፡፡

ናይ እንግሊዝ ቀይሕ መስቀል ናይ ስድራ ዳግመ ምርኻብ መምርሒ ኣንብቡ፡፡